المدة الزمنية 3:53

Surprise them with success - ብስቕታኻ ድንግግር ክብሎምን ብውጽኢት ጻዕርኻ ክስንብዱን ግበሮም።

1 990 مشاهدة
0
94
تم نشره في 2019/09/02

Please watch: "ተውህቦኻ መፍትሕን መንገድን ኩሉ ክትበጽሖ እትደሊ ሕልምታትካ እዩ፨" /watch/ggmvijshi-Ahv --~-- ሰላም ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ መደብ መኣዛ ዕቤት፡ ሎሚ እውን ከም መቐጸልታን ዕላማን ናይ'ዛ መርበብ ሓበሬታ፡ ንኣብ #Eritrea #Ethiopia ዝመበቖሉ ተዛራቢ ቋንቋ #Tigrigna ዝኾነ ሕብረተ ሰብን ካልእ ነዚ ቛንቋ ዝርዳእ ኣብ ካልእ ክፋል ናይ'ዛ ፕላኔት ዝነብር ሰብን ንምንቕቃሕ ኢልካ ዝዳሎ መደብ እዩ። እንተድኣ ፈቲኹማ፡ ምስ ኣዕሩኽ መሓዙትን ቤተ ሰብን ተኻፈልዋ፡ Subscribe, Like ከምኡ እውን comment ብምጽሓፍ ድማ ሓሳባትኩም ክተካፍሉንን፡ ርእይቶታትኩም ክትልግሱለይን ይላቦ። ካልእ ናይ ዝሓለፈ ስርሓት እውን ኣብ'ዛ መስመር ተር ኢሉ ስምዑንን ተቛደሱንን ይብለኩም ኣሎ። ሰናይ ናይ ዕቤትን ምዕባለን ግዜ። የቐንየለይ። This is part of the videos I use to prepare once a week, to enlighten the #Tigrigna speakers from #Eritrea, #Ethiopia and other parts of the Globe. I appreciate if you guys, Subscribe, comment and Like. If you like it and you think someone's life could be changed by listening this video share is among your beloved ones. Thank you very much. ምሳኹም ዝጸንሕ ኣዳላውን ኣቕራብን ናይዛ መደብ ሓውኹም ዘርኢት እየ ካብ ከተማ ላቫል፡ ፈረንሳ። 👇👇👇 ናበይ ገጽካ ምዃንካ ንኻልኦት ምንጋር ግዴታ ኣይኮነን፡ ውጽኢታት ጉዕዞኻ ክዛረቡልካ ግደፎም፡ ተግባራትካ ባዕላቶም ክዛረቡልካ ግደፎም። ብዛዕባ ነብሲ ወከፍ ብዓውታ ትጥሕኖን ብሰላሕታ ተሕሾኽሽኾን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክፍለጠልካ ኣድላዪ ኣይኮነን፡ ሰባት ውጽኢታትካ ምስ ርኣዩ ብዛዕባኡ ክፈልጡ እዮም። ውጽኢት ጉዕዞኻ፡ እቲ ክትስንዖ ዘይትኽእል እንኮ ነገር እዩ። ብዙሓት ምስሉያት ሰባት ኣብ ዙርያኻ ኣለዉ፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ብዙሕ መታለሊ ዕላላት እናተዛረቡ እዮም ዝነብሩ፡ ዘይሰርሕዎ ሰሪሕና ምባልን ዘይንሶም ምምሳልን ድማ እዩ ቀንዲ ሞያኦም። እታ እንኮ ክትስንዓ ዘይትኽእል ግን ውጽኢት ጉዕዞኻ እያ። ከምዚ ዓይነት ሰብ ኩን፡ ጻዕራም፡ ዘይተዛራቢ፡ ቃል ክኣቱ ዘይህወኽን ውጽኢት ጉዕዞታቱ ብወረ ዘይኮነስ ብናይ ግብሪ ዓወታት ዝተዓብለሉን፡ ኩን ብኽብረትካ፡፡ ብስቕታኻ ድንግርግር ክብሎምን ብውጽኢታትካ ክብህርሩን ግደፎም። ምዝራብ ኣውሒድካ ጻዕሪ ኣብዝሕ፡ ከምዚ ዓይነት ሰብ ምዃን ክኣሎ። “ስራሕካ ብስቕታን ብምስጢርን እተሃንጸ ምስ ዝኸውን፡ ነየናይካ ከም ዘጥቅዑ ኣይፈልጡን እዮም!” - ዝብሃል ኣበሃህላ ኣሎ። ጸላእቲ ዘጥቅዕሉ ዕድል ኮነ ባብ ኣይተርሕወሎም፡ ቅድሚ ዝኾነ ነገር ምግባርካ ኣብ ምስጢር ዝተሃነጽካ ኹንን ብናይ መወዳእታ ውጽኢትካ ኣሰንብዶምን። እቶም ውጽኢታት ክመጹ ምዃኖም ክትፈልጥ ኣለካ፡ ብዕቱብነት እንተድኣ ኣብ ስራሕ ተጸሚድካ፡ ንነብሲ ወከፍ ሰብ ናበይ ገጽካ ምዃንካን እንታይ ንምዃን ትጽዕር ኣለኻን ምንጋር ፈጺሙ ኣየድልየካን እዩ። ኣርእዮም ጥራሕ። ሕጂ ውን እንተድኣ ደኒንካ ብኣትኩሮ ዓዪኻ፡ እቲ ትደልዮ ውጽኢታት ክመጽእ ግድን እዩ። ናይ ስራሕ ቅድኻን ኣገባብካን ኣብ ውጽኢታትካ ክርአ እዩ። ሕሹኽታኻ ኣብ ውጽኢታትካ ፈታውን ጸላእን ዝሰምዖ ዓውታ ክኸውን እዩ። ክእለትካ ኣብ ውጽኢት ስራሕካ ክጎልሕ እዩ። ዕብየትካ ኣብ ውጽኢታትካ ክደምቕ እዩ። እዚ ኹሉ ብስራሕ`ምበር ብዘረባ ጥራሕስ ፈጺሙ ኣይክኸውንን እዩ። ክሳብ ክንደይ ዓቢ ምዃንካ ምንጋር ኣድላይነት የብሉን፡ ብሓቂ ኣብ ዝዓበኻሉ ባዕላቶም ክነግሩኻ እዮም። ውጽኢታትካ ክዛረቡልካ ግደፎም፡ ስጉምታትካ ክዛረቡልካ ግደፎም፡፡ ብስቕታኻ ድንግርግር ይበሎም፡ ብውጽኢታትካ ድማ ይሰንብዱ። ኣገባብ ኣሰራርሓኻ ኣብ ውጽኢትካ ክረኽብዎ እዮም፡ ውጽኢት ስራሕካ ንሕሹኽታኻ ናብ ዓውታን ኣዋጅ ዓወትካን ክልውጦ እዩ፡ ዓቕምታትካ ኣብ ጽባቐ ውጽኢታትካ ክምዕርጉ እዮም፡ ዕብየትካ ምስ ውጽኢት ጻዕርኻ ክብርኽን ክልለን እዩ። ኣብ ታህዲድን ስምዑለን ዝበዝሖ ዘረባ ግን ኩሉ እዩ ዝሃስስ። ምዝራብ ኣቛሪጽካ ብትኹረት ዕየ። ኣንትን ትሰርሓ ዘለኽን ዝያዳ ትጀሃራ ዶስ ናብ ጻዕርኽንን ዕላማኽንን ተተኩራ፣ ውጽኢት ሰናይ ስራሕክንን ጻዕርኽንን ኣፍ ኣውጺኡ ክሳብ ዝዛረብ ድኣ ብኣተኩሮ ዕየያ፡ ስራሓትክን ፍረ ከውጽእን ንቡዙሓት ኣብነት ክኸውንን ድማ እዩ። ስለዚ ውጽኢት ጻዕርኽን ባዕሉ ኣፍ ኣውጺኡ ክዛረብ ድኣ ባብ ኣርሕዋሉ። ኣንቱም እትለፍዑ፡ ዝያዳ ጉራ ዶስ ዝያዳ ናብ ዕላማኹም ዝወስድ መንገድን ጉዕዞን ተተኩሩ፣ ውጽኢት ዘይሕለል ጻዕርኹም ኣፍ እውጺኡ ክዛረብ ስለዝኾነ፡ ምዝራብ ኣየድልየኩምን እዩ እሞ ኣይትድከሙ። ብሰላም ዝተኸበ ዓወታት፡ ዕቤት፡ ምዕባለን ሓጎስን ዝመልኦ ሰናይ ግዜ ንኹልና። ኣብ ቀጻሊ።

الفئة

عرض المزيد

تعليقات - 12